
Advertising on the Telegram channel «Tigray-University(ሓበሬታ)»
📚Freshman course 📚Blue print for exit exam 📚Remedial Course 📚personal Development Book 🔊Technology Tips and educational news 📳Digital World Tips 👉 ንለውጥን ዕቤትን ተምሃሮ ትግራይ ዝተክፍተ ቻናል!!
Channel statistics
ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ብሉጻት ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ኣብ ዝኾነ University of Helsinki ምሉእ ብምሉእ ወጻኢኡ ዝተሸፈነ (Fully Funded) ናይ ትምህርቲ ዕድል ተኸፊቱ ኣሎ።
📌 ዝርዝር ሓበሬታ፦
ደረጃ ትምህርቲ፦ ንማስተርስ (Master's) ን ንባችለር (Bachelor’s) ዲግሪን።
➢ፋይናንሳዊ ሓገዝ፦ ምሉእ ብምሉእ ወጻኢኡ ዝተሸፈነ።
➢ናይ መመልከቲ ረቋሒ፦ ናይ ዝኾነ ሃገር ዜግነት ዘለዎ ሰብ ከመልክት ይኽእል።
➢IELTS/TOEFL፦ ቀዲምኩም ዝተምሃርኩምሉ ብእንግሊዝኛ እንተነይሩ፡ ብዘይ IELTS ምምልካት ይከኣል እዩ።
💰 ዝወሃቡ ጥቕማጥቕምታት፦
✔ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ናይ ትምህርቲ ክፍሊት 100% ነጻ ይኸውን።
✔ንመነባበሮ ወጻኢ ዝኸውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ (Stipend) ይወሃብ።
✔ነጻ ናይ ጥዕና ኣገልግሎትን ናይ ትራንስፖርት ቅናሽን ይህልዎ።
📅 መወዳእታ መዓልቲ (Deadline):
✔ንመብዛሕትኦም ናይ ማስተርስ ፕሮግራማት፦ ክሳብ ጥሪ (January) 16, 2026
✔ንባችለር ድግሪ ፕሮግራማት (Admission Group 1)፦ ክሳብ ጥሪ (January) 16, 2026
⭐ መተሓሳሰቢ፦ ግዜኡ ሓጺር ስለዝኾነ ብቕልጡፍ ከተመልክቱ ይምከር !
🔗 መመልከቲ ሊንክ (Apply Link):👇
👉 https://nspscholarships.com/university-of-helsinki-scholarship/
ንተወሳኪ ትምህርታዊ ሓበሬታ
share and join👇
@tigrayuniversity1
@tigrayuniversity1
ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ብመስኮት ክጥምት ከሎ፡ ሓደ ድኻ ሰብ ካብ እንዳ ጎሓፍ ገለ ነገር ክመርጽ ከሎ ረኣዮ፤ ከምዚ ድማ በለ፦
"ተመስገን ኣምላኸይ፡ እንኳዕ ድኻ ኣይኮንኩ!"
እቲ ድኻ ሰብ ግልጽ ኢሉ ክጥምት ከሎ ድማ፡ ዕርቃኑ ኣብ መንገዲ ክኸይድ ዝጸንሐ ጽሉል ሰብ ረኣየ፤ ንሱ እውን ከምዚ በለ፦
"ተመስገን ኣምላኸይ፡ እንኳዕ ጽሉል ኣይኮንኩ!"
እቲ ጽሉል ሰብኣይ ንቕድሚት ክጥምት ከሎ ሓንቲ ኣምቡላንስ ረኣየ። ኣብ ውሽጢ እታ ኣምቡላንስ ድማ ብሕማም ዝሳቐን ዝበክን ሕሙም ረኣየ፤ ከምዚ ድማ በለ፦
"ተመስገን ኣምላኸይ፡ እንኳዕ ሕሙም ኣይኮንኩ!"
ድሕሪኡ እቲ ሕሙም ሰብኣይ ኣብ ሆስፒታል ዝሞተ ሰብ ሬሳ ተዓዘበ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ በለ፦
"ተመስገን ኣምላኸይ፡ እንኳዕ ኣይሞትኩ! ምኽንያቱ ዝሞተ ሰብ ንፈጣሪ ኣየመስግንን እዩ!"
ሎሚ ስለ ኩሉ ናይ ፈጣሪ በረከትን ምሕረትን ስለምንታይ ዘየነመስግን?!
ንህይወት ብዝበለጸ መንገዲ ንምርዳእ ናብዞም 3 ቦታታት ክትከይድ ኣለካ፦
1,ቤት ማእሰርቲ
2,ሆስፒታል
3,መቃብር
ምኽንያቱ፦
~ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ ናጽነት ኣዝዩ ክቡር ነገር ምዃኑ ትግንዘብ!
~ ኣብ ሆስፒታል፡ ካብ ጥዕና ንላዕሊ ዋላ ሓደ ነገር ከምዘየለ ትግንዘብ!
~ ኣብ መቃብር፡ ህይወት (ንዋታዊ ዓለም) ምንም ዋጋ ከምዘይብላ ትግንዘብ!
እቲ ሎሚ እንጓዓዘሉ መገዲ፡ ናይ ጽባሕ ህይወትና መሰረት እዩ። ስለዚ ትሑታትን ኣመስገንትን ንኹን!
ስለ ኩሉ ነገር ፈጣሪና ምምስጋን ኣይንረስዕ ❗️
ቡሩክ ዕለተ ሰንበት !
@tigrayuniversity1
ንመውጽኢ ፈተና(exit exam) ንምውሳድ ትምዝገቡ ዘለኹም አመልከትቲ ምስ OTP ተተሓሒዙ ጸገም እንተጋጢምኩም ወይ ድማ OTP እንተዘይበጺሑኩም፡ ናብ ኣብ ቀረባኹም ዝርከብ ናይ ፋይዳ (Fayda) ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ብምኻድ ወይ ድማ ናብ 9779 ብምድዋል ደገፍ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡
ስልኪ ቁጽሪኹም እንተቐይርኩም እቲ OTP ድማ ብናይ ቀደም ስልኪ ቁጽሪኹም ይስደድ እንተሃልዩ፡ ናብቲ ኣብ ቀረባኹም ዝርከብ ናይ ፋይዳ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ብምኻድ ወይ ድማ ናብ 9779 ብምድዋል ደገፍ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡፡
ካልኦት ሓበሬታታት ብግቡእ ክሳብ ዝተመልኡ፡ ናይ ጾታ ወይ ድማ ናይ ስልኪ ቁጽሪ ዘይምምስሳል ጸገም ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ናይ ስልኪ ቁጽሪ ወይ ድማ ናይ ጾታ ዘይምምስሳል እንተሃለወ እኳ፡ ናይ ፋይዳ መለለዪኹም (Fayda ID) ብምጥቃም ናይ ገዛእ ርእስኹም ምርግጋጽ (Self-Identity Verification) ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ንእሽቶ ናይ ፊደላት (spelling) ጌጋ እውን ጸገም ከምዘይብሉ ተገሊጹ ኣሎ።
ፋይልኩም ብቁጽሪ FAN ክትረኽብዎ እንተዘይክኢልኩም፡ ነቲ ካልኣይ ምርጫ (Bio Data) ብምጥቃም ክትረኽብዎ ፈትኑ፡፡ ብኽልቲኡ ምርጫታት ክትረኽብዎ እንተዘይክኢልኩም ምስቲ ዝተመሃርኩምሉ ትካል ትምህርቲ(ኮሌጅኩም) ተዘራረቡ፡፡
ንመጀመሪያ ግዜ ተፈተንቲ እንተኾይንኩም ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ብምጥቃም ኣረጋግጹ 👇
https://verify.ethernet.edu.et/
ኣጠቓቕምኡ ዘርኢ ቲቶሪያል (Tutorial) ንምርካብ 👇
(ሊንክ ቪድዮ)👉https://youtu.be/6sH8UVac1Cg
@tigrayuniversity1
✨ወይቤሎሙ : መልአክ : ኢትፍርሁ : እስመ : ናሁ : እዜንወክሙ :ዐብየ : ዜና: ፍሰሐ : ዘይከውን : ለኩሉ : ሕዝብ። እስመ : ናሁ : ተወልደ :ለክሙ: ዮም መድኀን : ዘውእቱ : ክርስቶስ : እግዚእ : ቡሩክ :በሀገረ : ዳዊት (ሉቃስ 2፡10-11)
መልኣኽ ድማ ከምዚ በሎም፦ 'እንሆ፡ ንዂሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓቢ ሓጐስ (ብስራት) አበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ሎሚ ኣብ ዓዲ ዳዊት መድሓኒት፡ ንሱ ድማ ክርስቶስ ጐይታ፡ ተወሊድልኩም ኣሎ።'" (ሉቃስ 2፡10-11)
🌲ርሑስ በዓል ልደት !🌲
#Tigray_University(ሓበሬታ)
@tigrayuniversity1
(#Exit_Exam_Update)
ናይ መውጽኢ ፈተና(Exit Exam) ክትወስዱ ዝተመዝገብኩምን ኣድላዪ ሓበሬታታት ዘማላእኩምን ኩሉኹም፡ ናይ ፋይዳ (Fayda ID) መለለይኹም ብምጥቃም ናይ ባዕልኩም መራጋገፂ (Self-Identity Verification) ክትገብሩ ይግባእ።
እቲ ምርግጋጽ፡ እቲ ኣመልካቲ ብዘእተዎ ናይ FAN ቑጽሪን ውልቃዊ ሓበሬታን ዝተመርኮሰ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ናይ ምርግጋጽ መስርሕ ካብ 2-3 ደቓይቕ ጥራይ ዝወስድ ኮይኑ፤ ነቲ ናይ መውጽኢ ፈተና ንምውሳድ ድማ ግዴታ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
ነዚ ዝስዕብ ሊንክ ተጠቒምኩም ኣረጋግጹ 👇
https://verify.ethernet.edu.et/
ንምርግጋጽ ዝሕግዘኩምን ኣጠቓቕምኡ ዘርእይን ቪድዮ ኣብቲ ፖርታል (Portal) ክትረኽቡ ኢኹም።
✅ ንተወሳኺ ትምህርታዊ ሓበሬታ ንምርካብ ቻነልና ይእተው (Join)
👇
@tigrayuniversity1
1️⃣) ቀዳማይ ዲግሪ(B.A Degree) ዓይኒ መኽፈቲ ምዃኑ ፍለጥ። ብዝቐጸለ ዝደለኻዮ መሪጽካን ኣመራሪጽካን ናይ ምምሃር ዕድል ክህልወካ እዩ።
2️⃣) ስለምንታይ ከም እትመሃር ንጹር ዕላማ ይሃልኻ። ምኽንያት ትምህርትኻ እንተ ዘየእሚኑካ ግና ግዜኻ ብከንቱ ኣይተባኽን።
3️⃣) ንነጥቢ (Grade) ኢልካ ብዙሕ ክትፈልጦ ዝግብኣካ ነገራት ከየምልጠካ። ኣብ ስራሕ ዓለም ብክንደይ ነጥቢ ከም እተመረቕካ ዘይክትሕተት ትክእል ኢካ። ግን እዚ ክብል ከለኩ ነጥብኩም(Grade) ኣይትስርሑ ማለተይ ኣይኮነን ምክንያቱ Grade ካብቶም ክትዕቀንሎም ትክእሉ መዐቀንታት እቲ ሓደ ስለ ዝኮነ።
4️⃣) ኣብ እትመሃረሉ ዘርፊ(Department)ክትፈልጦም ዘለካ ዋና ዋና ጉዳያት ጠንቂቕካ ክትፈልጥ ከም ዘለካ ኣይትረስዕ። ነጥብኻ(Grade) ዓብዪ ኮይኑ ናይ ዘርፍኻ(Department)ዋና ጉዳያት እንተዘይፈልጥካ ዝደልየካ ኣይክህሉን እዩ።
5️⃣) ካብ ትምህርትኻ ብተወሳኺ ተዛመድቲ መጽሓፍቲ ኣንብብ። ጋዜጣታትን ዜናታትን ብምክትታል ሓበሬታታት መዝጊብካ ሓዝ።
6️⃣) ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝካየዱ ማሕበራዊ ጉዳያት ብንቕሓት ተሳተፍ። ብጽቡቕ ፀባይካ ድማ ጽቡቕ ኔትወርክ (ርክብ) ህነጽ።
7️⃣) ርእስኻ(ዓርሰካ) ናይ ምግላጽ ክእለትን ናይ ጠቕላላ ኩነታት ግንዛበኻን ኣማዕብል። ነዚ ድማ ብዙሓት መጽሓፍቲ ኣንብብ። ጠቐምቲ ፖድካስትታት መሪጽካ ተመልከት (ስምዓዮም)።
8️⃣) ኣብ ሓደ ሓደ ቤት ጽሕፈታት ናጻ ኣገልግሎት ሃብ። እንተ ተኻኢሉካ ክትቁጸር ኣብ እትደልዮ ወይ ብግልካ ክትሰርሖ ኣብ ትደልዮ ዓይነት ትካል ወይ ቤት ጽሕፈት መመረቒ ጽሑፍን መጽናዕትታትን ግበር።
9️⃣) ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት (social Media)ንቕሓት ዘለዎ ተሳትፎ ግበር። ምስ ሰባት ተራኸብ፣ ጽሓፍ፣ ርኢቶ ሃብ፣ ሕተት።
🔟) ገና ከይተመረቕካ ኩባንያ መስርት። ኣብ ውሽጢ ኮሌጅ(ዩኒቨርስቲ) ዓብዪ ዕዳጋ ኣሎ። ንኣብነት እቲ ሕዚ ብዓለም ደረጃ እንጥቀመሉ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ platform ፌስቡክ (Facebook) ኣብ ውሽጢ ዶርሚ ብተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ከም እተመስረተ ዘክር።
✍እዚ ፅሑፍ ካብ ዩኒቨርስቲ ተመሪቆም፤ኣብ ስራሕ ዓለም ዘለውን ስራሕ ኣብ ምድለይ ዘለውን ዝተፅሓፈ ፅሑፍ እዩ። እዚ ሓሳብ ንተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ከም ምክሪ ክኮኖም ተባሂሉ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ እዩ።
@tigrayuniversity1
💫እዚ ፅሑፍ ክጠቅሞም ይክእል እዩ ንእትብልዎም መሓዝትኩምን መምሃርትኩምን Share ግበርሎም!
ሰላምኩም ይብዛሓለይ 🙌🙌
ምናልባት ምስ ሓለፈ ረሲዒናዮ ንኸውን እምበር፣ ብዙሕ ዘይሓልፍ ዝመሰለና መዓልቲ ብሓገዝ ፈጣሪ ሓሊፍናዮ ኢና!
ኩሉ ግዜ ፈጣሪና ምምስጋን ኣይንረስዕ!
ቡሩክ ዕለተ ሰንበት ይግበረልኩም !
@Tigrayuniversity1
➢ኣብዚ ዘመናዊ ዓለም ስልኪ ክፍሊ ናይ መዓልታዊ ህይወትና እኳ እንተኾነ፣ ኣጠቓቕማና እንተዘይገዲብናዮ ግን ኣብ ጥዕናና ዘስዕቦ ጉድኣት ላዕለዋይ እዩ። ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ስክሪን ምጽናሕ ካብ ድኻም ዓይንን ሕማም ርእስን ሓሊፉ ንለዓለዋይ ጸቕጢ ደም፣ ንጸገም ልቢ ከምኡ’ውን ንስነ-ልቦናዊ ቅልውላው (ከም ጭንቀትን ድብርትን) ከቃልዐና ይኽእል እዩ።
➢ብፍላይ ምሸት ምሸት ስልኪ ምጥቃም ንሆርሞን ድቃስ ብምዝባዕ ንሕጽረት ድቃስን ቀትሪ ንዝስምዓና ናይ ድኻም ስምዒትን ቀንዲ ጠንቂ ይኸውን።
➠ጥዑይ ናይ ስልኪ ኣጠቓቕማ ንክህልወና ሰብ-ሞያ ዝተፈላለዩ መፍትሒታት ይእምቱ።
💫 ርሕቀት ስልኪ ካብ ዓይኒ ብ40-60 ሴ.ሜ ርሕቀት ምሓዝን
💫ኣብ ጸልማት ካብ ምጥቃም ምቑጣብን ዝጥቀሱ እዮም።
💫 ሕማም ክሳድን ሕቆን ንምክልኻል ስልኪ ክንጥቀም ከለና ኣቀማምጣና ምስትኽኻልን ክሳድና ንነዊሕ ሰዓት ትሕት ከነብልን የብልናን።
➢ብሓፈሻ ኣብ መዓልቲ ካብ 2 ክሳብ 4 ሰዓት ኣብ ስክሪን ምሕላፍ ንጥዕና ዝተመጣጠነን ሚዛናዊን ክበሃል ከሎ፣ ካብ 8 ሰዓት ንላዕሊ ምጽናሕ ግን ንኸቢድ ምዝባዕ ጥዕና የቃልዕ። ስለዚ ቅድሚ ምድቃስና እንተወሓደ ካብ 1 ክሳብ 2 ሰዓት ኣቐዲምና ስልኪ ብምቕማጥን ናይ "Night Mode" ኣማራጺታት ብምጥቃምን ጥዕና ኣእምሮናን ዓይንናን ክንሕሉ ይግባእ። ጥዑይ ናይ ስክሪን ግዜ ምልማድ ንዝሓሸ ውጽኢታውነትን ንምሉእ ጥዕናን ወሳኒ ስጉምቲ እዩ።
@tigrayuniversity1
ስልክኹም እንተጠፊኡኩም ወይ ኣበይ ከምዘሎ እንተዘይፈሊጥኩም፣ ብፍላይ ድማ ሳይለንት (silent) እንተኾይኑ፣ ኣይተጨነቑ!
✅ መፍትሒኡ፦ እቶም ኣብ ውሽጢ ስልክኹም ተሃኒጾም ዝመጹ ናይ ምድላይ ኣገልግሎት (built-in search services) ምጥቃም እዩ!
🔍 ከመይ?
ንተጠቀምቲ አንድሮይድ (Android):
ብካልእ ስልኪ ወይ ኮምፒውተር google.com/android/find ኢልኩም ድለዩ እሞ፣ ኣብቲ ዝጠፍአ ስልኪ ብዝተጠቀምኩምሉ ናይ ጎግል (Google)(Gmail)ኣካውንት እተዉ። ስልክኹም ሳይለንት (silent) እንተኾነ እኳ ድምጺ ከምዘስምዕ ክትገብሩ፣ ኣብ ካርታ ክትረኽብዎ፣ ወይ ድማ ክትዓጽውዎ (Lock) ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ንተጠቀምቲ አይፎን (iPhone):
ብካልእ ናይ አፕል (Apple) መሳርሒ ወይ ድማ ብ icloud.com/find እተዉ። ስልክኹም ሳይለንት (silent) እንተኾነ እኳ ድምጺ ከምዘስምዕ ክትገብሩ (Play Sound)፣ ኣብ ካርታ ክትርእይዎ፣ ወይ ድማ ከምዝጠፈአ ምልክት ክትገብሩ (Lost Mode) ትኽእሉ ኢኹም።
✨ ኣገዳሲ መተሓሳሰቢ፦
እዚ ክሰርሕ እንተኾይኑ፣ ኣቐዲምኩም ኣብ ስልክኹም Settings ውሽጢ ብምእታው "Find My Device" (ንአንድሮይድ) (Android): ወይ "Find My iPhone" (ንአይፎን)
iPhone ምብራሁ (On ምዃኑ) ኣረጋግጹ!
🔹 Examples of Android devices
➠Samsung Galaxy
➠Tecno
➠Infinix
➠Xiaomi (Redmi)
➠Oppo, Vivo, etc.
@tigrayuniversity1
ዝኾነ ናይ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተማሃራይ ናይ ብሄራዊ መንነት( National ID) (ፋይዳ) ከውጽእ ከምዘለዎ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣንፈት ከምዝሃበ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ስዒቡ ድማ ናይ መንግስትን ውልቀን ዩኒቨርሲቲታት፣ ናይ ካልኣይ ዓመትን ካብኡ ንላዕሊን ዝኾኑ ተማሃሮኦም ብምሉኦም ብሄራዊ መንነት ወረቐት (ፋይዳ) ከውጽኡ ይገብሩ ኣለዉ።
ብሄራዊ መንነት ወረቐት ( National ID )ንምዝገባ፣ ንፈተና ከምኡ’ውን ንዝተፈላለዩ ናይ ግቢ ውሽጢ ኣገልግሎታት ግዴታ ከምዝኸውን እውን ይግለጽ ኣሎ።
መውጽኢ ፈተና (Exit Exam) ንምውሳድ፣ ሃገር ለኸ ናይ ድሕረ-ምረቓ መእተዊ ፈተና (NGAT) ንምፈታን፣ ናይ ብቕዓት ምዘና ፈተና (Licensing Exam) ንምውሳድ፣ ከምኡ’ውን ኣብ 2018 ዓ.ም ሃገር ለኸ ፈተና 12 ክፍሊ (ESSLCE) ንምውሳድ፣ ብሄራዊ መንነት ወረቐት (National ID )ምውጻእ ግዴታ ምዃኑ ብመንግስቲ ምግላጹ ይፍለጥ እዩ።
ብተወሳኪ ኣብዚ ሰሙን እዚ ድማ ናይ ባንኪታት ኣገልግሎት ምስ"National ID" FAN ን FIN ቁፅርኩም ክትተሓሕዙ ታሓቢሩ ኣሎ ዝርዝሩ ኣብ ቀፃሊ ክንምለሶ ኢና።
@tigrayuniversity1
Reviews channel
Catalog of Telegram Channels for Native Placements
Advertising on the Telegram channel «Tigray-University(ሓበሬታ)» is a Telegram channel in the category «Образование», offering effective formats for placing advertising posts on TG. The channel has 2.3K subscribers and provides quality content. The advertising posts on the channel help brands attract audience attention and increase reach. The channel's rating is 22.1, with 0 reviews and an average score of 0.0.
You can launch an advertising campaign through the Telega.in service, choosing a convenient format for placement. The Platform provides transparent cooperation conditions and offers detailed analytics. The placement cost is 1.2 ₽, and with 0 completed requests, the channel has established itself as a reliable partner for advertising on Telegram. Place integrations today and attract new clients!
You will be able to add channels from the catalog to the cart again.
Комментарий